Tigray Community Association General Meeting – October 13, 2019
እንኳዕ ኣሐጎሰና! ማሕበር ኮሚዩኒቲ ትግራይ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን ካብ መፈለምትኡ ኣብ ሕገ ደንቢ ኣስፊሩ ብዝተበገሶ መሰረት፤ ማእኸል ኩልና ተወለድቲ ትግራይ ዝኾነ ገዛ ትግራይ ከምዝዓደገ እንትነበስረኩም ብዓብዪ ሓጎስ እዩ፡፡
እዙይ ጋህዲ ዝኾነ እውን፤ ኣባላት ብዝገበርናዮ ሙሉእ ዘይጉድል ፃዕሪን ወፈያን ምዃኑ ይፍለጥ፡፡ ብምዃኑ እውን፤ ዕደጋ ገዛ ትግራይን ካልኦት ኣገደስቲ ጉዳያትን ማሕበርና ንምዝታይን ውሳነ ንምሕላፍን ን:
October 13, 2019
ሰዓት 2:00PM
ኣብ ECDC – 901 S Highland Street, Arlington, VA 22204
ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ተፀዊዑ ስለዘሎ፤ ንኽትርከቡ ብኽብሪ ንዕድም፡፡ ብተወሳኺ ማሕበርና ብክልተ እግሩ ጠጠው ምእንታን ክብል ናይ ኩልና ሓባራዊ ምንቅስቓስን ንጥፈትን ኣገዳሲ ብምዃኑ፤ ኣመራርሓ ቦርድ ማሕበርና ግቡእ ወርሓዊ ናይ ኣባልነት ወፈያኹም/ኽን ንኽትኸፍሉ/ላ ንዙ መዘኻኸሪ መልእኽቲ እንተመሓላልፍ ዝኸበረ ሰላምታ ብምቕዳም እዩ።
ኣባል ማሕበር ኮምዩኒቲ ትግራይ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝኸውን ትግራዋይ መሰልን ግድነትን ከምዘለዎ ኣብ መተሓዳደሪ ደምቢ ማሕበርና ብንፁር ተቐሚጡ እዩ። ብዙይ መሰረት እውን ኩሉ ኣባል ወርሓዊ ክፍሊቱ ኣብ እዋኑ ክኸፍል ከምዘለዎ፤ ኣብ ዓመት ንሹዱሽተ ኣዋርሕ ብተኸታታሊ እንተዘይከፊሉ ግና ካብ’ቱ ማሕበር ክረኽቦ ዝኽእል ጥቕሚ ካብ ዘይምርካብ ሓሊፉ ካብ ኣባልነት እውን ክሰናበት ከምዝኽእል ተገሊፁ እዩ፡፡ እንተኾነ ግን ንኣባላትና ተወሳኺ ግዘ ንምሃብ ብምባል ክሳብ ሎሚ ንዙይ ተግባራዊ ኣይገበርናን።
ኣብ ናይ September 23, 2018 ሓፈሻዊ ኣኼባ ካብ January 1, 2019 ጀሚሩ ናይ ሰብ ሓዳር ወርሓዊ ናይ ኣባልነት ክፍሊት በብውልቂ ምዃኑ ተሪፉ ብሓባር $30 (ሰላሳ ዶላር) ንክኸውን ሓዳር ንዘይብሎም ድማ ከምቀደሙ $20 (ዒስራ ዶላር) ንክኸውን ምውሳኑ ይዝከር። ንስኹም/ኽን እውን ከምኣባል ማሕበር ኮሚዩኒቲ ትግራይ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን ግቡእኹም/ኽን ዝኾነ ወርሓዊ ክፍሊት፤
(General Meeting October 13, 2019 – PDF link)
ብቼክ ንዝኽፈል / Make checks payable to: Tigray Community Association Washington DC ኢልኩም ናብ P.O. Box 73534, Washington, DC 20056 ለኣኹልና፡፡
ምስ ዝኸበረ ሰላምታ፤
ኣባላት ኣመራርሓ ቦርድ
ማሕበር ኮሚዩኒቲ ትግራይ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን